ተወፋይነትና

ኣብ ሕብረተሰብ ዝተፈላለዩ መዳርግቲ ኣካላት ብዛዕባ ስራሕናን ጉዳይ ዓመጽ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ* ንሕብርን ንቕሓት ነዕቢን።.

ምብራህ ምዃኑ’ዩ።

ብስራሕና ህዝባዊ ርክባት ኣቢልና፡ እቶም ዝተጎድኡ፡ ስድራቤቶምን ሰብ ሞያን ቅልጡፍን ዘይተሓላለኸን ደገፍ ምእንቲ ክረኽቡ፡ ንቕሓት ብዛዕባ ኣገልግሎትና ኣብ ህዝቢ ንምዕባይ ዕላማ ኣለና። ዕላማና ሰፊሕ ትምህርቲ ምሃብ እዩ። ንሕብረተሰብ ኣብ ጉዳይ ዓመጽ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ከነስተውዕሎ ንደሊ*። ነዚ ንምትግባር ድማ ብቐጻሊ ስልጠናታት ነካይድን ኣብ ዋዕላታት ከም ክኢላታት ንሳተፍን ኢና። ንዝተፈላለዩ ማዕከናት ዜና መግለፂ ነውፅእን ቃለ መሕትት ንገብርን። ብደረጃ ፖለቲካ እውን ንጡፋት ኢና።.